ዘሁልቍ 23:19 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 19 ኣምላኽ ከይሕሱ፡ ሰብ ኣይኰነን፣+ሓሳቡ ኸይልውጥ* ከኣ፡ ወዲ ሰብ ኣይኰነን።+ ነቲ ዚብሎስ ኣይገብሮንዶ፧ ነቲ ዚዛረቦስ ኣይፍጽሞንዶ፧+ ኢሳይያስ 46:11 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 11 ንኣሞራ ኻብ ምብራቕ ጸሓይ፡+ውሳነይ* ንዚፍጽም ከኣ ካብ ርሑቕ ሃገር እጽውዕ ኣለኹ።+ ተዛሪበ እየ፡ ከምጽኦ ድማ እየ። ዓሊመ እየ፡ ክፍጽሞ እውን እየ።+