2 ሳሙኤል 7:23 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 23 ኣምላኽ ከይዱ ህዝቡ ኪኸውን እተበጀዎ፡+ ዓብይን ዜፍርህን ነገር ብምግባር ከኣ+ ንርእሱ ስም ዝገበረሉ፡+ ከም ህዝብኻ እስራኤል ዝበለ ኣብ ምድሪ ኣየናይ ህዝቢ እዩ፧+ ምእንቲ እቲ ንዓኻ ኪኸውን ካብ ግብጺ እተበጆኻዮ ህዝብኻ ኢልካ፡ ንኣህዛብን ንኣማልኽቶምን ሰጐጕካዮም። ነህምያ 9:10 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 10 ኣንጻር ፈርኦንን ኵሎም ገላዉኡን ኵሉ ህዝቢ ምድሩን ድማ ትእምርትን ተኣምራትን ገበርካ፣+ ከመይሲ፡ ከም ዝደፈርዎም ፈሊጥካ ነበርካ።+ ከምዚ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዘሎ ኸኣ ንዓኻ ስም ገበርካ።+
23 ኣምላኽ ከይዱ ህዝቡ ኪኸውን እተበጀዎ፡+ ዓብይን ዜፍርህን ነገር ብምግባር ከኣ+ ንርእሱ ስም ዝገበረሉ፡+ ከም ህዝብኻ እስራኤል ዝበለ ኣብ ምድሪ ኣየናይ ህዝቢ እዩ፧+ ምእንቲ እቲ ንዓኻ ኪኸውን ካብ ግብጺ እተበጆኻዮ ህዝብኻ ኢልካ፡ ንኣህዛብን ንኣማልኽቶምን ሰጐጕካዮም።
10 ኣንጻር ፈርኦንን ኵሎም ገላዉኡን ኵሉ ህዝቢ ምድሩን ድማ ትእምርትን ተኣምራትን ገበርካ፣+ ከመይሲ፡ ከም ዝደፈርዎም ፈሊጥካ ነበርካ።+ ከምዚ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዘሎ ኸኣ ንዓኻ ስም ገበርካ።+