2 ነገስት 18:13, 14 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 13 ኣብ መበል 14 ዓመት ንጉስ ህዝቅያስ፡ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር+ ኣንጻር ኵለን እተዓርዳ ኸተማታት ይሁዳ ደዪቡ ሓዘን።+ 14 ሽዑ፡ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ናብ ንጉስ ኣሶር ናብ ላኪሽ ልኢኹ፡ “በዲለ እየ። ካባይ ኣንሳሕብ፣ እትስልዓለይ ዘበለ ኸኣ ክኸፍል እየ” በሎ። ንጉስ ኣሶር ድማ ንህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸም መቕጻዕቲ 300 ታለንት* ብሩርን 30 ታለንት ወርቅን ኪኸፍል ሰልዓሉ። 2 ዜና መዋእል 28:19, 20 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 19 ኣሓዝ ንጉስ እስራኤል ንይሁዳ ስዲ ስለ ዝሓደጋ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዓብዪ ጥልመት ስለ እተገብረ፡ የሆዋ ብሰንኩ ንይሁዳ ኣዋረዳ። 20 ቲልጋት-ጲልነሰር+ ንጉስ ኣሶር ድማ ኣንጻሩ መጸ፣ ኣብ ክንዲ ዜበርትዖ ኸኣ፡ ኣጨነቖ።+ ኢሳይያስ 36:1 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 36 ኣብ መበል 14 ዓመት ንጉስ ህዝቅያስ፡ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር+ ኣንጻር ኵለን እተዓርዳ ኸተማታት ይሁዳ ደዪቡ ሓዘን።+
13 ኣብ መበል 14 ዓመት ንጉስ ህዝቅያስ፡ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር+ ኣንጻር ኵለን እተዓርዳ ኸተማታት ይሁዳ ደዪቡ ሓዘን።+ 14 ሽዑ፡ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ናብ ንጉስ ኣሶር ናብ ላኪሽ ልኢኹ፡ “በዲለ እየ። ካባይ ኣንሳሕብ፣ እትስልዓለይ ዘበለ ኸኣ ክኸፍል እየ” በሎ። ንጉስ ኣሶር ድማ ንህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸም መቕጻዕቲ 300 ታለንት* ብሩርን 30 ታለንት ወርቅን ኪኸፍል ሰልዓሉ።
19 ኣሓዝ ንጉስ እስራኤል ንይሁዳ ስዲ ስለ ዝሓደጋ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዓብዪ ጥልመት ስለ እተገብረ፡ የሆዋ ብሰንኩ ንይሁዳ ኣዋረዳ። 20 ቲልጋት-ጲልነሰር+ ንጉስ ኣሶር ድማ ኣንጻሩ መጸ፣ ኣብ ክንዲ ዜበርትዖ ኸኣ፡ ኣጨነቖ።+