-
ዘፍጥረት 7:15, 16መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
15 ትንፋስ ህይወት* ካብ ዘለዎ ዅሉ ስጋ፡ ከክልተ ናብ ኖህ ናብ መርከብ ኣተዉ። 16 ከምቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ድማ ካብ ኵሉ ዓይነት ስጋ፡ ተባዕታይን ኣንስተይትን ኣተዉ። የሆዋ ኸኣ ነቲ ማዕጾ ብድሕሪኡ ዓጸዎ።
-
-
ዘጸኣት 12:22, 23መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
22 ዕታር ሃዛብ ኣብቲ ኣብ ገበራ ዘሎ ደም ጠሚዕኩም፡ ንላዕለዋይ ልዳትን ንኽልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን እቲ ደም ንጸጉሉ፣ ክሳዕ ንግሆ ድማ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ኻብ ኣፍ ደገ ቤቱ ኣይውጻእ። 23 የሆዋ ንግብጻውያን ኪወቅዕ ኪሓልፍ ከሎ፡ ነቲ ኣብ ላዕለዋይ ልዳትን ኣብ ክልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን ዘሎ ደም ምስ ረኣየ፡ የሆዋ ነታ ኣፍ ደገ ብርግጽ ኪሓልፋ፡ እቲ ጥፍኣት ናብ ቤትኩም ኣትዩ ኺወቅዕ ድማ ኣይኪፈቕደሉን እዩ።+
-