-
ኢሳይያስ 65:2መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
2 ንነቓጽ ህዝቢ፡+
ነቲ ሓሳብ ርእሱ ስዒቡ ጽብቕቲ ብዘይኰነት መገዲ ዚመላለስ፡+
ምሉእ መዓልቲ ኣእዳወይ ዘርጊሐሉ፣+
-
ኤርምያስ 7:24-26መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
24 ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፡ ወይ እዝኖም ኣየድነኑን፣+ ንእኩይ ልቦም ብንቕጽና እናሰዓቡ ደኣ እዮም ብሓሳቦም* እተመላለሱ፣+ ንቕድሚት ኣብ ክንዲ ምኻድ፡ ንድሕሪት ተመሊሶም፣ 25 ካብታ ኣቦታትኩም ካብ ምድሪ ግብጺ ዝወጹላ መዓልቲ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸምኡ ገይሮም።+ ስለዚ፡ ኵሎም ገላዎይ ነብያት ልኢኸልኩም፣ መዓልቲ መዓልቲ ደጋጊመ* ልኢኸልኩም።+ 26 ንሳቶም ግና ኣይሰምዑንን፣ እዝኖም እውን ናባይ ኣየድነኑን።+ የግዳስ፡ ነቓጻት እዮም ነይሮም፣* ካብ ኣቦታቶም ዚገድድ ድማ ገይሮም!
-
-
-