-
ኤርምያስ 42:17, 18መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
17 ኵሎም እቶም ኣብኣ ኺነብሩ ናብ ግብጺ ኪኸዱ ዝቘረጹ ሰባት ከኣ፡ ብሰይፍን ብጥሜትን ብለበዳን* ኪሞቱ እዮም። ካብቲ ኣነ ዘውርደሎም መዓትሲ ሓደ እኳ ኣይኪተርፍን ወይ ኣይኬምልጥን እዩ።”’
18 “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ ‘ከምቲ ቝጥዓይን ነድረይን ኣብ ነበርቲ የሩሳሌም እተኻዕወ፡+ ከምኡ ድማ ናብ ግብጺ እንተ ኼድኩም፡ ነድረይ ኣባኻትኩም ኪክዖ እዩ፣ ንስኻትኩም ከኣ መርገምን መሰክሕን መራገምን መጻረፍን ክትኰኑ ኢኹም፣+ ነዛ ቦታ እዚኣ እውን ደጊም ከቶ ኣይክትርእይዋን ኢኹም።’
-