ዘጸኣት 4:12 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 12 ስለዚ፡ ኪድ እሞ፡ ክትዛረብ ከለኻ ምሳኻ* ክኸውን፡ እቲ እትብሎ ድማ ክምህረካ እየ” በሎ።+ ዘጸኣት 4:15 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 15 ስለዚ፡ ተዛረቦ፡ ኣብ ኣፉ እውን ቃላት ኣንብር።+ ክትዛረብ ከለኻ ድማ፡ ኣነ ምሳኻን ምስኡን ክኸውን እየ፣+ እንታይ ከም እትገብሩ ድማ ክምህረኩም እየ። ህዝቅኤል 33:7 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 7 “ንስኻ ግና ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንቤት እስራኤል ሓላዊ ገይረ ሸይመካ ኣለኹ፣ ካብ ኣፈይ ቃል ምስ ሰማዕካ፡ ካባይ መጠንቀቕታ ሃቦም።+