8 ኣብ ሓምሸይቲ ወርሒ፡ ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ንሳ ድማ ኣብ መበል 19 ዓመት ንጉስ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን፡ ነቡዛራዳን+ እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት፡ ጊልያ ንጉስ ባቢሎን፡ ናብ የሩሳሌም መጸ።+ 9 ንቤት የሆዋን ንቤት ንጉስን ንዅለን ኣባይቲ የሩሳሌምን ኣንደደ፣+ ንዅለን ኣባይቲ ምርኡያት እውን ኣንደደ።+ 10 እቲ ምስቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ዝነበረ ብዘሎ ሰራዊት ከለዳውያን ድማ፡ ነቲ ኣብ ዙርያ የሩሳሌም ዝነበረ መካበብያ ኣፍረሶ።+