21 ንጉስ ባቢሎንሲ ኣብታ እቲ ኽልተ መገዲ ዚጭንፍረላ ቓራና መገዲ፡ ኪጥንቍል ደው ይብል እዩ። ፍላጻታቱ ይነኑ፣ ንጣኦታቱ ይሓትት፣ ጸላም ከብዲ እውን ይምርምር እዩ። 22 ኣብ የማነይቲ ኢዱ ዘሎ ጥንቈላ፡ መፍረስ መካበብያ ንምድላው፡ ንማሕረዲ ትእዛዝ ንምሃብ፡ ጭድርታ ውግእ ንምድሃይ፡ መፍረስ መካበብያ ኣንጻር ኣፍ ደገታት ንምድላው፡ ዕርዲ ኸበባ ንምዅማር፡ መንደቕ ከበባ ንምህናጽ፡ ናብ የሩሳሌም የመልክት ኣሎ።+