25 “ደቅን ደቂ ደቅን ምስ ወለድካ፡ ኣብታ ምድሪ ኸኣ ነዊሕ ግዜ ምስ ተቐመጥኩም፡ ዝዀነ ዓይነት ጽሩብ ምስሊ ብምግባርኩም ድማ ምስ እትበላሸዉ፡+ ከተዀርዮ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኣምላኽካ እከይ ምስ እትገብር፡+ 26 ካብታ ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም እትርስተይዋ ምድሪ ብርግጽ ቀልጢፍኩም ከም እትጠፍኡ፡ ኣነ ሎሚ ሰማያትን ምድርን ንምስክር ጸዊዐ ኣለኹ። ፈጺምኩም ክትጠፍኡ ኢኹም እምበር፡ ኣብኣ ነዊሕ ኣይክትነብሩን ኢኹም።+