ኢሳይያስ 30:10 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 10 ንረኣይቲ፡ ‘ኣይትርኣዩ’ ይብሉ፣ንሰብ ራእይ ድማ፡ ‘ናይ ሓቂ ራእያት ኣይትንገሩና።+ ዚሽሕጥ* ነገር ንገሩና፣ መታለሊ ነገር ርኣዩልና።+ ኤርምያስ 5:31 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 31 ነብያት ብሓሶት ይንበዩ፣+ካህናት ከኣ ብስልጣኖም ይገዝኡ። ህዝበይ ድማ ነቲ መገዲ እቲ ፈትይዎ ኣሎ።+ መወዳእታ ምስ መጸ ግዳ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም፧” ኤርምያስ 14:14 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 14 የሆዋ ድማ ከምዚ በለኒ፦ “እቶም ነብያት ብስመይ ሓሶት ይንበዩ ኣለዉ።+ ኣነ ኣይለኣኽክዎምን፡ ኣይኣዘዝክዎምን፡ ኣይተዛረብክዎምን።+ ናይ ሓሶት ራእያትን ከንቱ ጥንቈላን ተንኰል ልቦምን ደኣ ይንበዩልኩም ኣለዉ።+
14 የሆዋ ድማ ከምዚ በለኒ፦ “እቶም ነብያት ብስመይ ሓሶት ይንበዩ ኣለዉ።+ ኣነ ኣይለኣኽክዎምን፡ ኣይኣዘዝክዎምን፡ ኣይተዛረብክዎምን።+ ናይ ሓሶት ራእያትን ከንቱ ጥንቈላን ተንኰል ልቦምን ደኣ ይንበዩልኩም ኣለዉ።+