ዘፍጥረት 28:15 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 15 ኣነ ኸኣ ምሳኻ እየ፣ ኣብ እትኸዶ ዅሉ ኽሕልወካ፡ ናብዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ክመልሰካ እየ።+ እቲ ቓል ዝኣቶኹልካ ኽሳዕ ዝገብሮ፡ ኣይክሓድገካን እየ።”+ ዘጸኣት 3:12 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 12 ንሱ ኸኣ፡ “ኣነ ምሳኻ ክኸውን እየ፣+ ኣነ ኸም ዝለኣኽኩኻ ድማ፡ እዚ ምልክት ይኹንካ፦ ነቲ ህዝቢ ኻብ ግብጺ ምስ ኣውጻእካዮ፡ ኣብዚ ኸረን እዚ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከተገልግልዎ* ኢኹም” በለ።+ እያሱ 1:5 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 5 ምሉእ ዕድሜኻ ኺቃወመካ ዚኽእል የልቦን።+ ከምቲ ምስ ሙሴ ዝነበርኩ፡ ምሳኻ ድማ ክኸውን እየ።+ ኣይክጥንጥነካን፡ ኣይክሓድገካን እውን እየ።+
12 ንሱ ኸኣ፡ “ኣነ ምሳኻ ክኸውን እየ፣+ ኣነ ኸም ዝለኣኽኩኻ ድማ፡ እዚ ምልክት ይኹንካ፦ ነቲ ህዝቢ ኻብ ግብጺ ምስ ኣውጻእካዮ፡ ኣብዚ ኸረን እዚ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከተገልግልዎ* ኢኹም” በለ።+