መዝሙር 17:5 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 5 ኣእጋረይ ከይዕንቀፍሲ፡ስጕምትታተይ ኣብ ኣሰርካ ይጽንዓ።+ መዝሙር 37:23 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 23 የሆዋ ብመገዲ ሰብ ባህ ምስ ዚብሎ+ንስጕምትታቱ ይመርሐን።*+ ምሳሌ 16:3 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 3 እትገብሮ ዘበለ ንየሆዋ ኣማዕቍቦ፣*+ውጥናትካ እውን ኪዕወት እዩ። ምሳሌ 20:24 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 24 ስጕምቲ ሰብ ብየሆዋ እዩ ዚቐንዕ፣+ሰብ ከመይ ገይሩ ንመገዱ* ኺርድኣ ይኽእል፧