1 ሳሙኤል 16:7 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 7 የሆዋ ግና ንሳሙኤል፡ “ኣነ ንዒቐዮ እየ እሞ፡ ኣብ ትርኢቱን ኣብ ምንዋሕ ቍመቱን ኣይትጠምት።+ ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ዘሎ እዩ ዚርኢ፡ የሆዋ ግና ልቢ እዩ ዚርኢ እሞ፡+ ኣምላኽሲ ኸምቲ ሰብ ዚርእዮ ኣይኰነን ዚርኢ” በሎ። 1 ዜና መዋእል 28:9 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 9 “ኣታ ወደይ ሰሎሞን ድማ፡ ንኣምላኽ ኣቦኻ ፍለጦ፡ ብምሉእ* ልብን+ ብሕጉስ* ነፍስን* ኣገልግሎ፣ የሆዋስ ንዅሉ ልቢ ይምርምሮ፡+ ንዅሉ ዝንባለ ሓሳባት እውን የስተውዕሎ እዩ።+ እንተ ደሊኻዮ፡ ኪርከበልካ እዩ፣+ እንተ ሓዲግካዮ ግና፡ ንዘለኣለም ኪድርብየካ እዩ።+ ምሳሌ 17:3 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 3 መምከኺ ቝራዕ ንብሩር፡ እቶን ድማ ንወርቂ እዩ፣+ንልቢ ዚምርምሮ ግና የሆዋ እዩ።+ ምሳሌ 21:2 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 2 ሰብሲ ዅሉ መገድታቱ ቕኑዕ ይመስሎ፣+የሆዋ ግና ልቢ* ይምርምር።+
7 የሆዋ ግና ንሳሙኤል፡ “ኣነ ንዒቐዮ እየ እሞ፡ ኣብ ትርኢቱን ኣብ ምንዋሕ ቍመቱን ኣይትጠምት።+ ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ዘሎ እዩ ዚርኢ፡ የሆዋ ግና ልቢ እዩ ዚርኢ እሞ፡+ ኣምላኽሲ ኸምቲ ሰብ ዚርእዮ ኣይኰነን ዚርኢ” በሎ።
9 “ኣታ ወደይ ሰሎሞን ድማ፡ ንኣምላኽ ኣቦኻ ፍለጦ፡ ብምሉእ* ልብን+ ብሕጉስ* ነፍስን* ኣገልግሎ፣ የሆዋስ ንዅሉ ልቢ ይምርምሮ፡+ ንዅሉ ዝንባለ ሓሳባት እውን የስተውዕሎ እዩ።+ እንተ ደሊኻዮ፡ ኪርከበልካ እዩ፣+ እንተ ሓዲግካዮ ግና፡ ንዘለኣለም ኪድርብየካ እዩ።+