27 ‘ኣታ ጊልያይ ያእቆብ፡ ኣይትፍራህ፣
ኣታ እስራኤል እውን፡ ኣይትሸበር።+
ኣነስ ንዓኻ ኻብ ርሑቕ ከድሕነካ፡
ንዘርእኻ ኸኣ ካብ ምድሪ ምርኮኦም ከድሕኖም እየ።+
ያእቆብ ኪምለስን ኪሃድእን እዩ፡ ኣይኪርበሽን ድማ እዩ፣
ዜፍርሆ ኸኣ ኣይኪህሉን እዩ።+
28 ስለዚ፡ ኣታ ጊልያይ ያእቆብ፡ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ’ ይብል የሆዋ።
‘ንዅሎም እቶም ናባታቶም ዝበተንኩኻ ኣህዛብ ደኣ ኸጽንት እየ፣+
ንዓኻ ግና ኣይከጽንተካን እየ።+
ብልክዕ ክግስጸካ እየ እምበር፡+
ከይቀጻዕኩስ ኣይክሓድገካን እየ።’”