12 “ግናኸ፡ ሕጂ እውን” ይብል የሆዋ፡ “ብዅሉ ልብኹም፡
ብጾምን+ ብብኽያትን ብዋይዋይታን ናባይ ተመለሱ።+
13 ንሱ ርሕሩሕን መሓርን ንቝጥዓ ደንጓይን+ ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን እዩ፡+
ነቲ መዓት እውን ዳግም ኪሓስበሉ እዩ እሞ፡
ክዳውንትኹም ዘይኰነስ፡+ ልብኹም ቅደዱ፡+
ናብ የሆዋ ኣምላኽኩም ከኣ ተመለሱ።
14 ተመሊሱ ዳግም እንተ ሓሰበ፡+
ብድሕሪኡ ድማ በረኸት፡
ንየሆዋ ኣምላኽኩም ዚኸውን መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን እንተ ሓደገ መን ይፈልጥ፧