ኤርምያስ 1:8 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 8 ብትርኢቶም ኣይትፍራህ፣+‘ከድሕነካስ ኣነ ምሳኻ እየ’+ ይብል የሆዋ።” ህዝቅኤል 3:9 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 9 ንግምባርካ ኸም ኣልማዝ፡ ካብ ኣዝሒት ከኣ ዚተርር ገይረዮ ኣለኹ።+ ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፡ ኣይትፍርሃዮም፡ ብገጾም እውን ኣይትሸበር።”+