ዘጸኣት 23:8 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 8 “ጉቦ ብንጹር ንዚርእዩ የዕውር፡ ንቓላት ጻድቃን ከኣ የቕንን እዩ እሞ፡ ጉቦ ኣይትቀበል።+ ዘዳግም 27:25 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 25 “‘ንንጹህ ሰብ* ኪቐትል* ጉቦ ዚቕበል ርጉም ይኹን።’+ (ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ኣሜን!’ ይበል።) ኢሳይያስ 1:23 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 23 መሳፍንትኺ ነቓጻትን መሻርኽቲ ሰረቕትን እዮም።+ ነፍሲ ወከፎም ጉቦ ይፈትዉ፡ ደድሕሪ ህያባት ድማ ይጐይዩ።+ ንዘኽታም* ፍትሒ ኣየውጽኡሉን፣ጕዳይ መበለት ድማ ናባታቶም ከቶ ኣይበጽሕን።+
23 መሳፍንትኺ ነቓጻትን መሻርኽቲ ሰረቕትን እዮም።+ ነፍሲ ወከፎም ጉቦ ይፈትዉ፡ ደድሕሪ ህያባት ድማ ይጐይዩ።+ ንዘኽታም* ፍትሒ ኣየውጽኡሉን፣ጕዳይ መበለት ድማ ናባታቶም ከቶ ኣይበጽሕን።+