ኢሳይያስ 30:10 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 10 ንረኣይቲ፡ ‘ኣይትርኣዩ’ ይብሉ፣ንሰብ ራእይ ድማ፡ ‘ናይ ሓቂ ራእያት ኣይትንገሩና።+ ዚሽሕጥ* ነገር ንገሩና፣ መታለሊ ነገር ርኣዩልና።+ ኤርምያስ 23:25 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 25 “ነቶም ብስመይ፡ ‘ሓሊመ! ሓሊመ!’+ እናበሉ ሓሶት ዚንበዩ ነብያት ሰሚዐዮም ኣለኹ። ድጕዓ 2:14 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 14 እቲ ነብያትኪ ዝረኣዩልኪ ራእያት፡ ሓሶትን ባዶን እዩ ነይሩ፣+ካብ ምርኮ ምእንቲ ኽትድሕንስ፡ ስሕተትኪ ኣየቃልዑን፣+የግዳስ፡ ናይ ሓሶትን ዜስሕትን ከቢድ መልእኽትታት ርእዮምልኪ።+ ህዝቅኤል 13:9, 10 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 9 ኢደይ ኣንጻር እቶም ራእያቶም ሓሶት ዝዀነን ሓሶት ዚዛረቡን ነብያት እያ።+ ንሳቶም ካብቶም መኻፍልቲ ምስጢረይ ኣይኪዀኑን፡ ኣብ መዝገብ ቤት እስራኤል ከኣ ኣይኪጽሓፉን፡ ናብ ምድሪ እስራኤል ድማ ኣይኪምለሱን እዮም፣ ኣነ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንኩ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡ ኢኹም።+ 10 ሰላም ዘየልቦስ፡ “ሰላም ኣሎ!” እናበሉ ንህዝበይ ስለ ዘስሓትዎ እዩ እዚ ዅሉ ዚኸውን።+ ድኹም መከፋፈሊ መንደቕ ምስ ተሃንጸ፡ ብኖራ ይልቕልቕዎ ኣለዉ።’*+
14 እቲ ነብያትኪ ዝረኣዩልኪ ራእያት፡ ሓሶትን ባዶን እዩ ነይሩ፣+ካብ ምርኮ ምእንቲ ኽትድሕንስ፡ ስሕተትኪ ኣየቃልዑን፣+የግዳስ፡ ናይ ሓሶትን ዜስሕትን ከቢድ መልእኽትታት ርእዮምልኪ።+
9 ኢደይ ኣንጻር እቶም ራእያቶም ሓሶት ዝዀነን ሓሶት ዚዛረቡን ነብያት እያ።+ ንሳቶም ካብቶም መኻፍልቲ ምስጢረይ ኣይኪዀኑን፡ ኣብ መዝገብ ቤት እስራኤል ከኣ ኣይኪጽሓፉን፡ ናብ ምድሪ እስራኤል ድማ ኣይኪምለሱን እዮም፣ ኣነ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንኩ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡ ኢኹም።+ 10 ሰላም ዘየልቦስ፡ “ሰላም ኣሎ!” እናበሉ ንህዝበይ ስለ ዘስሓትዎ እዩ እዚ ዅሉ ዚኸውን።+ ድኹም መከፋፈሊ መንደቕ ምስ ተሃንጸ፡ ብኖራ ይልቕልቕዎ ኣለዉ።’*+