ኢሳይያስ 55:4 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 4 እንሆ፡ ንኣህዛብ ምስክር፡+ንኣህዛብ መራሕን+ ኣዛዝን+ ገይረዮ እየ። ማቴዎስ 23:10 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 10 መራሒኹም ሓደ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ እሞ፡ መራሕቲ እውን ኣይትበሃሉ። ዮሃንስ 1:45 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 45 ፊልጶስ ንናትናኤል+ ረኸቦ እሞ፡ “እቲ ሙሴ ኣብ ሕጊ ዝጸሓፈሉ፡ ነብያት እውን ዝጸሓፉሉ፡ የሱስ ወዲ ዮሴፍ+ ብዓል ናዝሬት ረኺብናዮ” በሎ። ዮሃንስ 1:49 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 49 ናትናኤል ድማ፡ “መምህር፡* ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፣ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።+