ዮሃንስ 11:24 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 24 ማርታ ኸኣ፡ “በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ብትንሳኤ ኸም ዚትንስእሲ፡ እፈልጥ እየ” በለቶ።+ ግብሪ ሃዋርያት 17:31 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 31 በቲ ዝሸሞ ሰብኣይ ኣቢሉ ንዓለም ብጽድቂ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ኣሎ፣+ ንዕኡ ኻብ ምዉታት ብምትንሳእ ከኣ፡ ንዅሎም ሰባት መተኣማመኒ ሂብዎም ኣሎ።”+ ግብሪ ሃዋርያት 24:15 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 15 ከምቲ ንሳቶም ንጻድቃንን ንሓጥኣንን+ ትንሳኤ ኪኸውን ዚጽበይዎ፡ ኣነ እውን ከማታቶም ኣብ ኣምላኽ ተስፋ ኣሎኒ።+ ራእይ 20:12 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 12 ምዉታት ድማ፡ ዓበይትን ንኣሽቱን፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው ኢሎም ረኣኹ፣ ጥቕላላት መጻሕፍቲ እውን ተቐልዐ። ካልእ ጥቕልልቲ መጽሓፍ እውን ተቐልዐት፣ እዚኣ፡ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ህይወት እያ።+ እቶም ምዉታት ድማ፡ ከምቲ ኣብቲ ጥቕላላት መጻሕፍቲ እተጻሕፈ፡ ከከም ግብሮም ተፈርዱ።+
12 ምዉታት ድማ፡ ዓበይትን ንኣሽቱን፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው ኢሎም ረኣኹ፣ ጥቕላላት መጻሕፍቲ እውን ተቐልዐ። ካልእ ጥቕልልቲ መጽሓፍ እውን ተቐልዐት፣ እዚኣ፡ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ህይወት እያ።+ እቶም ምዉታት ድማ፡ ከምቲ ኣብቲ ጥቕላላት መጻሕፍቲ እተጻሕፈ፡ ከከም ግብሮም ተፈርዱ።+