1 ነገስት 12:28, 29 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 28 ንጉስ ድማ ምስ መኸረ፡ ክልተ ምራኽ ወርቂ ገበረ+ እሞ ነቶም ህዝቢ፡ “ናብ የሩሳሌም ምድያብ ይበዝሓኩም እዩ። ኦ እስራኤል፡ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘደየበካ ኣምላኽካ እንሆልካ” በሎም።+ 29 ነቲ ሓደ ኣብ ቤት-ኤል+ ኣንበሮ፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ኣብ ዳን+ ገበሮ። ሆሴእ 4:15 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 15 ኣታ እስራኤል፡ ንስኻ እኳ እንተ መንዘርካ፡+ይሁዳ ኣይበድል።+ ናብ ጊልጋል+ ወይ ናብ ቤት-ኣዌን+ ኣይትምጽኡ፣‘ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ!’ ኢልኩም እውን ኣይትምሓሉ።+ ሆሴእ 8:5 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 5 ኣታ ሰማርያ፡ ምራኽካ ተደርብዩ እዩ።+ ቍጥዓይ ኣብ ልዕሊኦም ነዲዱ እዩ።+ ክሳዕ መዓስ እዮም ንጹሃት ኪዀኑ ዘይክእሉ፧ ኣሞጽ 3:14 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 14 ‘በታ ንእስራኤል ስለቲ ዅሉ በደላቱ* ተሓታቲ ዚገብረላ መዓልትስ፡+ንመሰውኢታት ቤት-ኤል እውን ተሓታቲ ኽገብሮ እየ፣+ኣቕርንቲ እቲ መሰውኢ ኸኣ ኪቝረጽን ናብ ምድሪ ኺወድቕን እዩ።+
28 ንጉስ ድማ ምስ መኸረ፡ ክልተ ምራኽ ወርቂ ገበረ+ እሞ ነቶም ህዝቢ፡ “ናብ የሩሳሌም ምድያብ ይበዝሓኩም እዩ። ኦ እስራኤል፡ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘደየበካ ኣምላኽካ እንሆልካ” በሎም።+ 29 ነቲ ሓደ ኣብ ቤት-ኤል+ ኣንበሮ፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ኣብ ዳን+ ገበሮ።
15 ኣታ እስራኤል፡ ንስኻ እኳ እንተ መንዘርካ፡+ይሁዳ ኣይበድል።+ ናብ ጊልጋል+ ወይ ናብ ቤት-ኣዌን+ ኣይትምጽኡ፣‘ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ!’ ኢልኩም እውን ኣይትምሓሉ።+
14 ‘በታ ንእስራኤል ስለቲ ዅሉ በደላቱ* ተሓታቲ ዚገብረላ መዓልትስ፡+ንመሰውኢታት ቤት-ኤል እውን ተሓታቲ ኽገብሮ እየ፣+ኣቕርንቲ እቲ መሰውኢ ኸኣ ኪቝረጽን ናብ ምድሪ ኺወድቕን እዩ።+