ኢሳይያስ 32:15 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 15 ካብ ላዕሊ መንፈስ ክሳዕ ዚፈስሰና፡+እቲ በረኻ ድማ ግራት ፍረታት ክሳዕ ዚኸውን፡እቲ ግራት ፍረታት ከኣ ከም ዱር ጌርካ ኽሳዕ ዚቝጸር፡ ከምኡ ዀይኑ ኣሎ።+ ኢሳይያስ 44:3 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 3 ኣብቲ ጽሙእሲ* ማይ፡+ኣብቲ ንቑጽ ምድሪ ኸኣ ወሓይዝ ከፍስስ እየ። ኣብ ዘርእኻስ መንፈሰይ፡+ኣብ ውሉዳትካ ድማ በረኸት ከፍስስ እየ። ህዝቅኤል 39:29 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 29 መንፈሰይ ኣብ ቤት እስራኤል ከፍስስ እየ እሞ፡+ ደጊም ገጸይ ኣይክሓብኣሎምን እየ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።”
15 ካብ ላዕሊ መንፈስ ክሳዕ ዚፈስሰና፡+እቲ በረኻ ድማ ግራት ፍረታት ክሳዕ ዚኸውን፡እቲ ግራት ፍረታት ከኣ ከም ዱር ጌርካ ኽሳዕ ዚቝጸር፡ ከምኡ ዀይኑ ኣሎ።+