ኤርምያስ 20:9 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 9 ስለዚ፡ “ብዛዕባኡ ኣይከልዕልን፡ብስሙ እውን ኣይክዛረብን እየ” ኢለ ነይረ።+ ግናኸ፡ ኣብ ኣዕጽምተይ ተዓጽዩ፡ ኣብ ልበይ ከም ዚነድድ ሓዊ ዀይኑኒ፣ኣነ ኸኣ ብምሓዙ ደኺመ፣ክጻወሮ እውን ኣይከኣልኩን።+ ኣሞጽ 7:14, 15 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 14 ሽዑ፡ ኣሞጽ ንኣማስያ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ “ኣነስ ጓሳን+ ተኸናኻኒ ኣእዋም ሳግላን* እየ ነይረ እምበር፡ ነብዪ ወይ ወዲ ነብዪ ኣይነበርኩን። 15 የሆዋ ግና ደድሕሪ መጓሰ ኻብ ምስዓብ ወሲዱኒ፣ የሆዋ ኸኣ፡ ‘ኪድ፡ ንህዝበይ እስራኤል ተነበየሉ’ ኢሉኒ።+ ግብሪ ሃዋርያት 4:19, 20 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 19 ጴጥሮስን ዮሃንስን ግና፡ “ካብ ንኣምላኽ፡ ንዓኻትኩም ምስማዕ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ እንተ ዀይኑ፡ ባዕላትኩም ፍረዱ። 20 ንሕና ግና፡ ብዛዕባ እቲ ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ምዝራብ ክንሓድግ ኣይንኽእልን ኢና” ኢሎም መለሱሎም።+
9 ስለዚ፡ “ብዛዕባኡ ኣይከልዕልን፡ብስሙ እውን ኣይክዛረብን እየ” ኢለ ነይረ።+ ግናኸ፡ ኣብ ኣዕጽምተይ ተዓጽዩ፡ ኣብ ልበይ ከም ዚነድድ ሓዊ ዀይኑኒ፣ኣነ ኸኣ ብምሓዙ ደኺመ፣ክጻወሮ እውን ኣይከኣልኩን።+
14 ሽዑ፡ ኣሞጽ ንኣማስያ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ “ኣነስ ጓሳን+ ተኸናኻኒ ኣእዋም ሳግላን* እየ ነይረ እምበር፡ ነብዪ ወይ ወዲ ነብዪ ኣይነበርኩን። 15 የሆዋ ግና ደድሕሪ መጓሰ ኻብ ምስዓብ ወሲዱኒ፣ የሆዋ ኸኣ፡ ‘ኪድ፡ ንህዝበይ እስራኤል ተነበየሉ’ ኢሉኒ።+
19 ጴጥሮስን ዮሃንስን ግና፡ “ካብ ንኣምላኽ፡ ንዓኻትኩም ምስማዕ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ እንተ ዀይኑ፡ ባዕላትኩም ፍረዱ። 20 ንሕና ግና፡ ብዛዕባ እቲ ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ምዝራብ ክንሓድግ ኣይንኽእልን ኢና” ኢሎም መለሱሎም።+