እብራውያን 3:1 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 3 ስለዚ፡ ኣቱም ኣብቲ ሰማያዊ ጽውዓ* ግደ ዘሎኩም ቅዱሳት ኣሕዋት፡+ ናብቲ እንእመነሉ ሃዋርያን ሊቀ ኻህናትን ዝዀነ የሱስ ኣስተብህሉ።+ እብራውያን 4:14 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 14 እምበኣር፡ ብሰማያት ዝሓለፈ ዓብዪ ሊቀ ኻህናት፡ ንሱ ድማ የሱስ ወዲ ኣምላኽ፡+ ካብ ዚህልወና፡ ነቲ ብዛዕባኡ እንእመኖ ኣጽኒዕና ንሓዞ።+ እብራውያን 8:1 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 8 ቀንዲ ነጥቢ እቲ እንብሎ ዘሎና ኸኣ እዚ እዩ፦ ከምዚ ዝኣመሰለ ሊቀ ኻህናት ኣሎና፣+ ንሱ ድማ ኣብ ሰማያት ኣብ የማን ዝፋን ግርማ ተቐሚጡ ኣሎ፣+