-
2 ነገስት 4:42-44መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
42 ካብ በዓል-ሻሊሻ+ ኸኣ ሓደ ሰብኣይ መጸ፣ ንሱ ድማ ነቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ካብ በዅሪ ፍረ እተገብረ 20 ጎጎ ስገምን+ ሓደ ኸረጺት ሓድሽ እኽልን ኣምጽኣሉ።+ ኤልሳእ ከኣ፡ “ኪበልዕዎስ ነዞም ህዝቢ ሃቦም” በሎ። 43 እቲ ጊልያኡ ድማ፡ “እዚ ደኣ ኸመይ ገይረ ን100 ሰባት ከቕርበሎም፧” በሎ።+ ንሱ ኸኣ፡ “የሆዋ፡ ‘ኪበልዑን ኬትርፉን እዮም’ ኢሉ እዩ እሞ፡ ኪበልዕዎስ ነዞም ህዝቢ ሃቦም” በሎ።+ 44 ሽዑ፡ ንሱ ኣብ ቅድሚኦም ኣቕረበሎም፣ ከምቲ ቓል የሆዋ ድማ፡ በሊዖም ኣትረፉ።+
-
-
ሉቃስ 9:17መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
17 ኵላቶም ድማ በሊዖም ጸገቡ፣ ዝተረፈ ኸኣ 12 መሶብ ቍርስራስ ኣልዓሉ።+
-
-
ዮሃንስ 6:12, 13መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
12 ምስ ጸገቡ ድማ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ሓንቲ እኳ ኸይትባኽን፡ ዝተረፈ ቝርስራስ ኣክብዎ” በሎም። 13 ስለዚ፡ ኣከብዎ፡ በቲ እቶም ዝበልዑ ዘትረፍዎ ቝርስራስ እተን ሓሙሽተ ጎጎ ስገም ከኣ 12 መሶብ መልኡ።
-