ማርቆስ 8:27-29 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 27 የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ኣቝሻት ቂሳርያ ናይ ፊልጶስ ከዱ። ኣብ መገዲ ኸኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ሰባት መን እዩ ይብሉኒ ኣለዉ፧” ኢሉ ሓተቶም።+ 28 ንሳቶም ድማ፡ “ዮሃንስ መጥምቕ፡+ ካልኦት ከኣ ኤልያስ፡+ ካልኦት እውን ሓደ ኻብ ነብያት” በልዎ። 29 ንሱ ድማ፡ “ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ፧” ኢሉ ሓተቶም። ጴጥሮስ ከኣ፡ “ንስኻ ክርስቶስ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።+ ሉቃስ 9:18-20 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 18 ጸኒሑ፡ በይኑ ኺጽሊ ኸሎ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብኡ መጹ፣ ንሱ እውን፡ “ህዝቢ መን እዩ ይብለኒ ኣሎ፧” ኢሉ ሓተቶም።+ 19 ንሳቶም ድማ፡ “ዮሃንስ መጥምቕ፡ ካልኦት ከኣ ኤልያስ፡ ካልኦት እውን ሓደ ኻብ ናይ ጥንቲ ነብያት ተንሲኡ ይብሉ” ኢሎም መለሱሉ።+ 20 ንሱ ድማ፡ “ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ፧” በሎም። ጴጥሮስ ከኣ፡ “እቲ ናይ ኣምላኽ ቅቡእ”* ኢሉ መለሰሉ።+
27 የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ኣቝሻት ቂሳርያ ናይ ፊልጶስ ከዱ። ኣብ መገዲ ኸኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ሰባት መን እዩ ይብሉኒ ኣለዉ፧” ኢሉ ሓተቶም።+ 28 ንሳቶም ድማ፡ “ዮሃንስ መጥምቕ፡+ ካልኦት ከኣ ኤልያስ፡+ ካልኦት እውን ሓደ ኻብ ነብያት” በልዎ። 29 ንሱ ድማ፡ “ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ፧” ኢሉ ሓተቶም። ጴጥሮስ ከኣ፡ “ንስኻ ክርስቶስ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።+
18 ጸኒሑ፡ በይኑ ኺጽሊ ኸሎ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብኡ መጹ፣ ንሱ እውን፡ “ህዝቢ መን እዩ ይብለኒ ኣሎ፧” ኢሉ ሓተቶም።+ 19 ንሳቶም ድማ፡ “ዮሃንስ መጥምቕ፡ ካልኦት ከኣ ኤልያስ፡ ካልኦት እውን ሓደ ኻብ ናይ ጥንቲ ነብያት ተንሲኡ ይብሉ” ኢሎም መለሱሉ።+ 20 ንሱ ድማ፡ “ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ፧” በሎም። ጴጥሮስ ከኣ፡ “እቲ ናይ ኣምላኽ ቅቡእ”* ኢሉ መለሰሉ።+