-
ማርቆስ 9:33-37መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
33 ናብ ቅፍርናሆም ድማ መጹ። ናብ ቤት ምስ ኣተወ ኸኣ፡ “ኣብ መገዲ ብዛዕባ እንታይ ትካትዑ ኔርኩም፧” ኢሉ ሓተቶም።+ 34 ንሳቶም ከኣ ኣብ መገዲ መኖም ከም ዚዓቢ ይካትዑ ነበሩ እሞ፡ ኣጽቀጡ። 35 ምስ ተቐመጠ ድማ፡ ነቶም ዓሰርተው ክልተ ጸዊዑ፡ “ቀዳማይ ኪኸውን ዚደሊ እንተ ኣልዩ፡ ድሕሪ ዅሉን ኣገልጋሊ ዅሉን ይኹን” በሎም።+ 36 ቈልዓ ወሲዱ ኸኣ፡ ኣብ ማእከሎም ደው ኣበሎ፣ ሓቚፍዎ ድማ፡ 37 “እቲ ኻብዞም ከምዚ ቘልዓ ዝኣመሰሉ ንሓደ ብስመይ ዚቕበል ዘበለ፡+ ንዓይ ይቕበለኒ፣ እቲ ንዓይ ዚቕበለኒ ዘበለ ኸኣ፡ ንዓይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ዝለኣኸኒ እውን ይቕበሎ” በሎም።+
-