ማርቆስ 14:62 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 62 የሱስ ከኣ፡ “ኣነ እየ፣ ንወዲ ሰብ ኣብ የማን ሓይሊ ተቐሚጡ፡+ ብደበናታት ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኽትርእይዎ ኢኹም” በለ።+ ዮሃንስ 5:18 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 18 ስለዚ፡ ሰንበት ብምጥሓሱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኣምላኽ ኣቦይ ብምባል+ ርእሱ ምስ ኣምላኽ ስለ ዘመዓራረየ እውን፡+ ኣይሁድ ኪቐትልዎ ኣዝዮም ይደልዩ ነበሩ። ዮሃንስ 10:36 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 36 ንዓይ፡ ኣቦ ንዝቐደሰኒ፡ ናብ ዓለም እውን ንዝለኣኸኒ ደኣ፡ ‘ወዲ ኣምላኽ እየ’ ስለ ዝበልኩዶ፡ ‘ትጻረፍ ኣለኻ’ ትብሉኒ ኣለኹም፧+