ማርቆስ 15:37 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 37 የሱስ ግና ዓው ኢሉ ምስ ጨርሐ፡ ትንፋሱ ሓለፈት።+ ሉቃስ 23:46 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 46 የሱስ ድማ ዓው ብዝበለ ድምጺ፡ “ኣቦ፡ መንፈሰይ ኣብ ኢድካ አማዕቍብ ኣለኹ” ኢሉ ጨርሐ።+ እዚ ምስ በለ፡ ትንፋሱ ሓለፈት።+ ዮሃንስ 19:30 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 30 የሱስ ከኣ ነቲ መጺጽ ወይኒ ምስ ጠዓሞ፡ “ተፈጺሙ!” በለ፣+ ርእሱ ምስ ኣድነነ፡ መንፈሱ ኣሕሊፉ ሃበ።*+