ማቴዎስ 18:4 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 4 እምበኣር፡ እቲ ኸምዚ ቘልዓ እዚ ርእሱ ዜትሕት ዘበለ፡ ንሱ ኣብ መንግስተ ሰማያት ይዓቢ፣+ ማቴዎስ 19:14 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 14 የሱስ ግና፡ “መንግስተ ሰማያት ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፡ ነቶም ቈልዑ ሕደግዎም፡ ናባይ ከይመጹ ድማ ኣይትኸልክልዎም” በለ።+ ሉቃስ 18:16 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 16 የሱስ ግና ነቶም ሕጻናት ጸዊዑ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፡ ነቶም ቈልዑ ናባይ ኪመጹ ሕደግዎም፡ ኣይትኸልክልዎም።+ 1 ጴጥሮስ 2:2 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 2 ሕጂ ኸም እተወልዱ ሕጻናት፡+ ብእኡ ንድሕነት ምእንቲ ኽትዓብዩ፡+ ነቲ ሕዋስ ዘይብሉ* ጸባ እቲ ቓል ብሃግዎ፣