-
ማቴዎስ 21:23-27መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
23 ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ኺምህር ከሎ፡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ህዝብን ናብኡ መጺኦም፡ “በየናይ ስልጣን እዚ ትገብር ኣለኻ፧ እዚ ስልጣን እዚኸ መን ሂቡካ፧” በልዎ።+ 24 የሱስ ከኣ፡ “ኣነ እውን ሓንቲ ነገር ክሓትተኩም። እንተ ነጊርኩምኒ፡ ኣነ እውን በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር ክነግረኩም እየ፦ 25 ጥምቀት ዮሃንስ ካበይ እያ ነይራ፧ ካብ ሰማይዶ ወይስ ካብ ሰብ፧” ኢሉ መለሰሎም። ንሓድሕዶም ከኣ ከምዚ እናበሉ ተዛራረቡ፦ “‘ካብ ሰማይ’ እንተ ኢልና፡ ‘ስለምንታይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ፧’ ኪብለና እዩ።+ 26 ‘ካብ ሰብ’ እንተ ኢልና ግና፡ ኵላቶም ንዮሃንስ ከም ነብዪ ይቘጽርዎ እዮም እሞ፡ ንህዝቢ ንፈርህ።” 27 ስለዚ፡ ንየሱስ፡ “ኣይንፈልጥን” ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ድማ ከምዚ በሎም፦ “ኣነ እውን በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር ኣይነግረኩምን እየ።
-
-
ሉቃስ 20:1-8መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
20 ብሓንቲ ኻብተን መዓልትታት እቲአን፡ ንህዝቢ ኣብ ቤተ መቕደስ ኪምህርን ኬበስርን ከሎ፡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ምስ ዓበይቲ ዀይኖም መጹ፣ 2 “በየናይ ስልጣን እዚ ትገብር ኣለኻ፧ ወይስ ነዚ ስልጣን እዚ ዝሃበካ መን እዩ፧ እስከ ንገረና” ድማ በልዎ።+ 3 ንሱ ኸኣ፡ “ኣነ እውን ሕቶ ኽሓትተኩም እሞ፡ ንገሩኒ፦ 4 ጥምቀት ዮሃንስ ካብ ሰማይ ድያ ነይራ፡ ወይስ ካብ ሰብ፧” ኢሉ መለሰሎም። 5 ንሳቶም ከኣ ከምዚ ኢሎም ሓሰቡ፦ “‘ካብ ሰማይ’ እንተ ኢልና፡ ‘ስለምንታይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ፧’ ኪብለና እዩ። 6 ‘ካብ ሰብ’ እንተ ኢልና ግና፡ ብዘሎ እቲ ህዝቢ፡ ዮሃንስ ነብዪ ምዃኑ ይኣምን እዩ እሞ፡ ብዳርባ እምኒ ኪቐትለና እዩ።”+ 7 ካበይ ምዃኑ ኸም ዘይፈልጡ ድማ መለሱሉ። 8 የሱስ ከኣ፡ “ኣነ እውን በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር ኣይነግረኩምን እየ” በሎም።
-