-
ማቴዎስ 3:7-10መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
7 ብዙሓት ካብ ፈሪሳውያንን ካብ ሰዱቃውያንን+ ናብቲ ጥምቀት ኪመጹ ምስ ረኣየ፡ ከምዚ በሎም፦ “ኣቱም ውሉዳት ኣፍዑት፡*+ ካብቲ ዚመጽእ ቍጥዓ ኸተምልጡ ደኣ መን ኣጠንቂቕኩም፧+ 8 እምበኣር፡ ንንስሓ ዚበቅዕ ፍረ ፍረዩ፣ 9 ከምቲ ብልብኹም፡ ‘ኣብርሃም ኣቦ ኣሎና’+ እትብልዎ ኣይምሰልኩም። ኣምላኽሲ ንኣብርሃም፡ ካብዚ ኣእማን እዚ ውሉዳት ኬተንስኣሉ ይኽእል እዩ፡ እብለኩም ኣለኹ። 10 ድሮ እኳ ፋስ ኣብ ሱር እቲ ኣእዋም ተነቢሩ ኣሎ። እምበኣር፡ ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዅሉ ኦም ይቝረጽ፡ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ።+
-