1 ጢሞቴዎስ 6:18 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 18 ሰናይ ኪገብሩ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺህብትሙ፡ ለጋሳትን መማቐልትን ኪዀኑ፡+ ያእቆብ 2:15, 16 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 15 ሓው ወይስ ሓብቲ እንተ ዓሪቖም፡ ናይ ዕለት ምግቢ እውን እንተ ስኢኖም፡ 16 ንሰብነቶም ዜድሊ ኸይሃብኩምሲ፡ ሓደ ኻባኻትኩም፡ “ብሰላም ኪዱ፡ ሙቑ፡ ጽገቡ” እንተ ኢልዎም፡ እንታይ ይጠቅም፧+ 1 ዮሃንስ 3:17 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 17 ግናኸ፡ ጥሪት እዛ ዓለም ዘለዎ ዘበለ እሞ ሓዉ ተሸጊሩ ኸሎ እናረኣየስ ዘይርሕርሓሉ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ከመይ ኢላ ኣብኡ ትነብር፧+
15 ሓው ወይስ ሓብቲ እንተ ዓሪቖም፡ ናይ ዕለት ምግቢ እውን እንተ ስኢኖም፡ 16 ንሰብነቶም ዜድሊ ኸይሃብኩምሲ፡ ሓደ ኻባኻትኩም፡ “ብሰላም ኪዱ፡ ሙቑ፡ ጽገቡ” እንተ ኢልዎም፡ እንታይ ይጠቅም፧+