ማቴዎስ 8:16, 17 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 16 ምስ መሰየ ግና፡ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ብዙሓት ሰባት ኣምጽኡሉ። ንሱ ድማ፡ ነቶም መናፍስቲ ብሓንቲ ቓል ኣውጽኦም፡ ንዅሎም እቶም ዝሓመሙ ኸኣ ኣሕወዮም። 17 እዚ ድማ፡ እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ “ንሱ ንሕማምና ወሲድዎ፣ ንስቓይና ኸኣ ጾይርዎ”+ እተባህለ ምእንቲ ኺፍጸም እዩ። ማርቆስ 1:32-34 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 32 ጸሓይ ዓሪባ ምስ መሰየ፡ ዝሓመሙን ኣጋንንቲ ዝሓደርዎምን ዘበሉ ዅሎም ኣምጽኡሉ፣+ 33 ብምልእታ እታ ኸተማ ድማ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ተኣከበት። 34 እተፈላለየ ሕማም ንዘለዎም ብዙሓት ኣሕወየ፣+ ብዙሓት ኣጋንንቲ እውን ኣውጽአ፣ ግናኸ፡ ነቶም ኣጋንንቲ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ* ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ፡ ኪዛረቡ ኣይፈቐደሎምን።
16 ምስ መሰየ ግና፡ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ብዙሓት ሰባት ኣምጽኡሉ። ንሱ ድማ፡ ነቶም መናፍስቲ ብሓንቲ ቓል ኣውጽኦም፡ ንዅሎም እቶም ዝሓመሙ ኸኣ ኣሕወዮም። 17 እዚ ድማ፡ እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ “ንሱ ንሕማምና ወሲድዎ፣ ንስቓይና ኸኣ ጾይርዎ”+ እተባህለ ምእንቲ ኺፍጸም እዩ።
32 ጸሓይ ዓሪባ ምስ መሰየ፡ ዝሓመሙን ኣጋንንቲ ዝሓደርዎምን ዘበሉ ዅሎም ኣምጽኡሉ፣+ 33 ብምልእታ እታ ኸተማ ድማ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ተኣከበት። 34 እተፈላለየ ሕማም ንዘለዎም ብዙሓት ኣሕወየ፣+ ብዙሓት ኣጋንንቲ እውን ኣውጽአ፣ ግናኸ፡ ነቶም ኣጋንንቲ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ* ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ፡ ኪዛረቡ ኣይፈቐደሎምን።