-
1 ነገስት 17:17መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
17 ድሕሪ እዚ ነገር እዚ፡ ወዲ እታ ብዓልቲ እታ ቤት ዝዀነት ሰበይቲ ሓመመ፣ ሕማሙ ኣዝዩ ስለ ዝበርትዖ ኸኣ፡ ትንፋሱ ሓለፈት።+
-
-
ሉቃስ 8:41, 42መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
41 እንሆ ኸኣ፡ ያኢሮስ ዝስሙ ሰብኣይ መጸ፣ ንሱ መራሕ ምኵራብ እዩ ነይሩ። ኣብ እግሪ የሱስ ተደፊኡ ድማ፡ ናብ ቤቱ ኺኣቱ ለመኖ።+ 42 ከመይሲ፡ ጓል 12 ዓመት ኣቢላ እትኸውን ሓንቲ ጓል ጥራይ ነበረቶ፣ ንሳ ድማ ክትመውት ቀሪባ ነበረት።
የሱስ ኪኸይድ ከሎ ኸኣ፡ እቶም ህዝቢ ይደፋፍእዎ ነበሩ።
-