ማቴዎስ 10:37 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 37 እቲ ኻባይ ንኣቦኡ ወይ ንኣዲኡ ዜፍቅር፡ ንዓይ ኣይበቅዕን እዩ፣ እቲ ኻባይ ንወዱ ወይ ንጓሉ ዜፍቅር እውን፡ ንዓይ ኣይበቅዕን እዩ።+ ሉቃስ 18:29, 30 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 29 ንሱ ኸኣ፡ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ምእንቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኢሉ ቤት፡ ወይ ሰበይቲ፡ ወይ ኣሕዋት፡ ወይ ወለዲ፡ ወይ ውሉዳት ዝሓደገ ዘበለ፡+ 30 ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሕ ዕጽፊ፡ ኣብቲ ዚመጽእ ስርዓት* ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የልቦን” በሎም።+ ዮሃንስ 12:25 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 25 እቲ ንህይወቱ* ዚፈትዋ ኼጥፍኣ እዩ፣ እቲ ንህይወቱ* ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዚጸልኣ+ ግና ንናይ ዘለኣለም ህይወት ኪሕልዋ እዩ።+
29 ንሱ ኸኣ፡ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ምእንቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኢሉ ቤት፡ ወይ ሰበይቲ፡ ወይ ኣሕዋት፡ ወይ ወለዲ፡ ወይ ውሉዳት ዝሓደገ ዘበለ፡+ 30 ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሕ ዕጽፊ፡ ኣብቲ ዚመጽእ ስርዓት* ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የልቦን” በሎም።+