ማቴዎስ 9:10, 11 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 10 ደሓር፡ የሱስ ኣብ እንዳ ማቴዎስ ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ እንሆ፡ ብዙሓት ኣከብቲ ቐረጽን ሓጥኣንን መጺኦም፡ ምስኡን ምስ ደቀ መዛሙርቱን ኣብ መኣዲ ተቐመጡ።+ 11 ፈሪሳውያን ግና ነዚ ርእዮም ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ስለምንታይ እዩ መምህርኩም ምስ ኣከብቲ ቐረጽን ሓጥኣንን ዚበልዕ፧” በልዎም።+ ማርቆስ 2:15, 16 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 15 ደሓር፡ የሱስ ኣብ እንዳ ሌዊ ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ብዙሓት ይስዕብዎ ነበሩ እሞ፡ ብዙሓት ኣከብቲ ቐረጽን ሓጥኣንን እውን ምስኡን ምስ ደቀ መዛሙርቱን ኣብ መኣዲ ተቐመጡ።+ 16 ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ግና፡ ምስ ሓጥኣንን ምስ ኣከብቲ ቐረጽን ኪበልዕ ከሎ ምስ ረኣይዎ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ምስ ኣከብቲ ቐረጽን ሓጥኣንንዶ ይበልዕ እዩ፧” በልዎም። ሉቃስ 5:29, 30 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 29 ሌዊ ድማ ኣብ ቤቱ ዓብዪ ድግስ ገበረሉ፣ ብዙሓት ኣከብቲ ቐረጽን ካልኦት ምሳታቶም ዝነበሩን እውን ኣብቲ መኣዲ ተቐሚጦም ነበሩ።+ 30 ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን ድማ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ስለምንታይ ኢኹም ምስ ኣከብቲ ቐረጽን ሓጥኣንን እትበልዑን እትሰትዩን፧” እናበሉ ኣጕረምረሙሎም።+ 1 ጢሞቴዎስ 1:15 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 15 እዚ ቓል እዚ እሙንን ምሉእ ተቐባልነት ዚግብኦን እዩ፦ ክርስቶስ የሱስ ንሓጥኣን ኬድሕን እዩ መጺኡ።+ ካባታቶም እውን ኣነ ኣውራ እየ።+
10 ደሓር፡ የሱስ ኣብ እንዳ ማቴዎስ ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ እንሆ፡ ብዙሓት ኣከብቲ ቐረጽን ሓጥኣንን መጺኦም፡ ምስኡን ምስ ደቀ መዛሙርቱን ኣብ መኣዲ ተቐመጡ።+ 11 ፈሪሳውያን ግና ነዚ ርእዮም ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ስለምንታይ እዩ መምህርኩም ምስ ኣከብቲ ቐረጽን ሓጥኣንን ዚበልዕ፧” በልዎም።+
15 ደሓር፡ የሱስ ኣብ እንዳ ሌዊ ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ብዙሓት ይስዕብዎ ነበሩ እሞ፡ ብዙሓት ኣከብቲ ቐረጽን ሓጥኣንን እውን ምስኡን ምስ ደቀ መዛሙርቱን ኣብ መኣዲ ተቐመጡ።+ 16 ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ግና፡ ምስ ሓጥኣንን ምስ ኣከብቲ ቐረጽን ኪበልዕ ከሎ ምስ ረኣይዎ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ምስ ኣከብቲ ቐረጽን ሓጥኣንንዶ ይበልዕ እዩ፧” በልዎም።
29 ሌዊ ድማ ኣብ ቤቱ ዓብዪ ድግስ ገበረሉ፣ ብዙሓት ኣከብቲ ቐረጽን ካልኦት ምሳታቶም ዝነበሩን እውን ኣብቲ መኣዲ ተቐሚጦም ነበሩ።+ 30 ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን ድማ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ስለምንታይ ኢኹም ምስ ኣከብቲ ቐረጽን ሓጥኣንን እትበልዑን እትሰትዩን፧” እናበሉ ኣጕረምረሙሎም።+