ማቴዎስ 6:10 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 10 መንግስትኻ+ ትምጻእ። ፍቓድካ+ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።+ ማቴዎስ 26:39 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 39 ቍሩብ ርሕቕ ኢሉ ድማ፡ ብገጹ ተደፊኡ፡ “ኣቦይ፡ ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ እዛ ጽዋእ+ እዚኣ ኻባይ ትሕለፍ። ግናኸ፡ ከም ፍቓድካ እምበር፡ ከም ፍቓደይ ኣይኹን”+ ኢሉ ጸለየ።+ ማርቆስ 14:36 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 36 “ኣባ፡* ኣቦ፡+ ንዓኻ ዅሉ ይከኣለካ እዩ፣ ነዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ኣልግሳ። ግናኸ፡ ንስኻ እትደልዮ እምበር፡ ኣነ ዝደልዮ ኣይኹን” ድማ በለ።+ ዮሃንስ 5:30 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 30 ካብ ርእሰይ ሓንቲ እኳ ኽገብር ኣይክእልን እየ። ኣነ ኸምቲ ዝሰምዖ እየ ዝፈርድ፣ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ስለ ዘይደሊ ኸኣ፡+ ፍርደይ ቅኑዕ እዩ።+ ዮሃንስ 6:38 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 38 ምኽንያቱ፡ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ክገብር ኣይኰንኩን+ ካብ ሰማይ ወሪደ ዘለኹ።+
39 ቍሩብ ርሕቕ ኢሉ ድማ፡ ብገጹ ተደፊኡ፡ “ኣቦይ፡ ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ እዛ ጽዋእ+ እዚኣ ኻባይ ትሕለፍ። ግናኸ፡ ከም ፍቓድካ እምበር፡ ከም ፍቓደይ ኣይኹን”+ ኢሉ ጸለየ።+
30 ካብ ርእሰይ ሓንቲ እኳ ኽገብር ኣይክእልን እየ። ኣነ ኸምቲ ዝሰምዖ እየ ዝፈርድ፣ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ስለ ዘይደሊ ኸኣ፡+ ፍርደይ ቅኑዕ እዩ።+