ሉቃስ 23:1 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 23 ኵላቶም ተንሲኦም ከኣ፡ ናብ ጲላጦስ ወሰድዎ።+ ግብሪ ሃዋርያት 3:13 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 13 ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን፡+ ኣምላኽ ኣቦታትና ነቲ ንስኻትኩም ኣሕሊፍኩም ዝሃብኩምዎን+ ጲላጦስ ኪፈትሖ ምስ ወሰነ እኳ ኣብ ገጹ ዝኸሓድኩምዎን ጊልያኡ የሱስ+ ኣኽቢርዎ ኣሎ።+ ግብሪ ሃዋርያት 13:27, 28 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 27 ነበርቲ የሩሳሌምን ኣሕሉቖምንሲ ንዕኡ ኣይፈለጥዎን፣ ኪፈርድዎ ኸለዉ ግና፡ ነቲ ሰንበት ሰንበት ዓው ኢሎም ዜንብብዎ ቓል ነብያት ፈጺሞምዎ እዮም።+ 28 ናብ ሞት ዜብጽሕ ምኽንያት እኳ እንተ ሰኣኑሉ፡+ ምእንቲ ኪቕተል፡ ንጲላጦስ ለሚኖምዎ እዮም።+
13 ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን፡+ ኣምላኽ ኣቦታትና ነቲ ንስኻትኩም ኣሕሊፍኩም ዝሃብኩምዎን+ ጲላጦስ ኪፈትሖ ምስ ወሰነ እኳ ኣብ ገጹ ዝኸሓድኩምዎን ጊልያኡ የሱስ+ ኣኽቢርዎ ኣሎ።+
27 ነበርቲ የሩሳሌምን ኣሕሉቖምንሲ ንዕኡ ኣይፈለጥዎን፣ ኪፈርድዎ ኸለዉ ግና፡ ነቲ ሰንበት ሰንበት ዓው ኢሎም ዜንብብዎ ቓል ነብያት ፈጺሞምዎ እዮም።+ 28 ናብ ሞት ዜብጽሕ ምኽንያት እኳ እንተ ሰኣኑሉ፡+ ምእንቲ ኪቕተል፡ ንጲላጦስ ለሚኖምዎ እዮም።+