ዮሃንስ 5:30 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 30 ካብ ርእሰይ ሓንቲ እኳ ኽገብር ኣይክእልን እየ። ኣነ ኸምቲ ዝሰምዖ እየ ዝፈርድ፣ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ስለ ዘይደሊ ኸኣ፡+ ፍርደይ ቅኑዕ እዩ።+ ዮሃንስ 5:36 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 36 ግናኸ፡ እቲ ኣቦይ ክፍጽሞ ዝሃበኒ ዕዮ፡ እዚ ኣነ እውን ዝገብሮ ዘለኹ ዕዮ፡ ኣቦይ ከም ዝለኣኸኒ ብዛዕባይ ይምስክር እዩ እሞ፡ ካብ ናይ ዮሃንስ ዚዓቢ ምስክር ኣሎኒ።+ ዮሃንስ 17:4 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 4 ኣነ ኽገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጺመ፡+ ኣብ ምድሪ ኣኽቢረካ ኣለኹ።+ ዮሃንስ 19:30 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 30 የሱስ ከኣ ነቲ መጺጽ ወይኒ ምስ ጠዓሞ፡ “ተፈጺሙ!” በለ፣+ ርእሱ ምስ ኣድነነ፡ መንፈሱ ኣሕሊፉ ሃበ።*+
30 ካብ ርእሰይ ሓንቲ እኳ ኽገብር ኣይክእልን እየ። ኣነ ኸምቲ ዝሰምዖ እየ ዝፈርድ፣ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ስለ ዘይደሊ ኸኣ፡+ ፍርደይ ቅኑዕ እዩ።+
36 ግናኸ፡ እቲ ኣቦይ ክፍጽሞ ዝሃበኒ ዕዮ፡ እዚ ኣነ እውን ዝገብሮ ዘለኹ ዕዮ፡ ኣቦይ ከም ዝለኣኸኒ ብዛዕባይ ይምስክር እዩ እሞ፡ ካብ ናይ ዮሃንስ ዚዓቢ ምስክር ኣሎኒ።+