ዘዳግም 18:15 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 15 የሆዋ ኣምላኽካ ኸማይ ዝኣመሰለ ነብዪ ኻብ መንጎ ኣሕዋትካ ኼተንስኣልካ እዩ። ንዕኡ ስምዕዎ።+ ዘዳግም 18:18 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 18 ከማኻ ዝኣመሰለ ነብዪ ኻብ ማእከል ኣሕዋቶም ከተንስኣሎም እየ፣+ ቃለይ ከኣ ኣብ ኣፉ ኸንብር እየ፡+ ንሱ ድማ ዝኣዘዝክዎ ዅሉ ኺዛረቦም እዩ።+