ኢሳይያስ 6:1 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 6 በታ ንጉስ ዑዝያ ዝሞተላ ዓመት፡+ የሆዋ ኣብ በሪኽን ልዕል ዝበለን ዝፋን ተቐሚጡ፡+ ወሰን እቲ ወለል ዚብል ክዳኑ ድማ ነታ ቤተ መቕደስ መሊእዋ ረኣኹ። ኢሳይያስ 6:8 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 8 ሽዑ፡ “ንመን ክልእኽ እየ፧ መንከ ኪኸደልና እዩ፧”+ ዚብል ድምጺ የሆዋ ሰማዕኩ። ኣነ ድማ፡ “እነኹ፡ ልኣኸኒ!” በልኩ።+