ማቴዎስ 20:26, 27 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 26 ኣባኻትኩም ግና ከምኡ ኣይኹን፣+ የግዳስ፡ ካባኻትኩም ዓብዪ ኪኸውን ዚደሊ ዘበለ፡ ኣገልጋሊኹም ይኹን፣+ 27 ካባኻትኩም ቀዳማይ ኪኸውን ዚደሊ ዘበለ ድማ፡ ባርያኹም ይኹን።+ ሉቃስ 9:48 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 48 “እቲ ነዚ ቘልዓ እዚ ብስመይ ዚቕበሎ ዘበለ፡ ንዓይ ይቕበለኒ፣ እቲ ንዓይ ዚቕበለኒ ዘበለ ኸኣ፡ ነቲ ዝለኣኸኒ እውን ይቕበሎ።+ እቲ ኣብ መንጎ ዅላትኩም ርእሱ ዜንእስ፡ ንሱ እዩ ዓብዪ” በሎም።+ ሉቃስ 22:26 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 26 ንስኻትኩም ግና ከምኡ ኣይትኹኑ።+ እቲ ኣባኻትኩም ዝዓበየ ኸም ዝነኣሰ፡+ እቲ ዚመርሕ እውን ከም ኣገልጋሊ ይኹን። ሮሜ 12:10 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 10 ብሕውነታዊት ፍቕሪ ንሓድሕድኩም ካብ ልቢ ተፋቐሩ። ንሓድሕድኩም ኣብ ምክብባር ቀዳሞት ኩኑ።*+ 1 ጴጥሮስ 5:5 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 5 ከምኡ ድማ፡ ኣቱም ኣጕባዝ፡ ንዚዓብዩኹም* ተገዝእዎም።+ ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ እሞ፡ ኵላትኩም ንሓድሕድኩም ኣብ ዘሎኩም ርክብ ትሕትና ተዓጠቑ።+
26 ኣባኻትኩም ግና ከምኡ ኣይኹን፣+ የግዳስ፡ ካባኻትኩም ዓብዪ ኪኸውን ዚደሊ ዘበለ፡ ኣገልጋሊኹም ይኹን፣+ 27 ካባኻትኩም ቀዳማይ ኪኸውን ዚደሊ ዘበለ ድማ፡ ባርያኹም ይኹን።+
48 “እቲ ነዚ ቘልዓ እዚ ብስመይ ዚቕበሎ ዘበለ፡ ንዓይ ይቕበለኒ፣ እቲ ንዓይ ዚቕበለኒ ዘበለ ኸኣ፡ ነቲ ዝለኣኸኒ እውን ይቕበሎ።+ እቲ ኣብ መንጎ ዅላትኩም ርእሱ ዜንእስ፡ ንሱ እዩ ዓብዪ” በሎም።+
5 ከምኡ ድማ፡ ኣቱም ኣጕባዝ፡ ንዚዓብዩኹም* ተገዝእዎም።+ ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ እሞ፡ ኵላትኩም ንሓድሕድኩም ኣብ ዘሎኩም ርክብ ትሕትና ተዓጠቑ።+