ኢሳይያስ 50:6 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 6 ዝባነይ ንወቓዕቲ፡መዓጕርተይ ከኣ ንነጸይቲ* ሂበ እየ። ገጸይ ካብ ዜዋርድ ነገርን ጡፍ ካብ ምባልን ኣይሓባእኩን።+ ማቴዎስ 20:18, 19 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 18 “እንሆ፡ ናብ የሩሳሌም ንድይብ ኣለና፣ ወዲ ሰብ ከኣ ንሊቃውንቲ ኻህናትን ንጸሓፍትን ኣሕሊፍካ ኺውሃብ እዩ። ንሳቶም እውን ንሞት ኪፈርድዎ እዮም።+ 19 ኬላግጹሉን ኪገርፍዎን ኪሰቕልዎን ኢሎም ከኣ ንኣህዛብ ኣሕሊፎም ኪህብዎ እዮም፣+ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ኪትንስእ እዩ።”+ ማቴዎስ 27:26 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 26 ሽዑ፡ ንበርባን ፈትሓሎም፣ ንየሱስ ግና ኣግሪፉ፡+ ኪስቀል ኣሕሊፉ ሃቦም።+ ማርቆስ 15:15 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 15 ሽዑ፡ ጲላጦስ ነቶም ህዝቢ ባህ ኬብሎም ደልዩ፡ ንበርባን ፈትሓሎም፣ ንየሱስ ድማ ኣግሪፉ፡+ ኪስቀል ኣሕሊፉ ሃቦም።+
18 “እንሆ፡ ናብ የሩሳሌም ንድይብ ኣለና፣ ወዲ ሰብ ከኣ ንሊቃውንቲ ኻህናትን ንጸሓፍትን ኣሕሊፍካ ኺውሃብ እዩ። ንሳቶም እውን ንሞት ኪፈርድዎ እዮም።+ 19 ኬላግጹሉን ኪገርፍዎን ኪሰቕልዎን ኢሎም ከኣ ንኣህዛብ ኣሕሊፎም ኪህብዎ እዮም፣+ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ኪትንስእ እዩ።”+