ማቴዎስ 19:28 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 28 የሱስ ከኣ ከምዚ በሎም፦ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ብዳግመ ፍጥረት፡ በታ ወዲ ሰብ ኣብ ክቡር ዝፋኑ ዚቕመጠላ እዋን፡ ንስኻትኩም እቶም ዝሰዓብኩምኒ እውን ኣብ 12 ዝፋን ተቐሚጥኩም፡ ን12 ነገዳት እስራኤል ክትፈርዱ ኢኹም።+ ዮሃንስ 12:26 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 26 ዜገልግለኒ እንተሎ፡ ይስዓበኒ፣ ኣብቲ ዘለኽዎ ኸኣ፡ ኣገልጋልየይ ኣብኡ ኪኸውን እዩ።+ ዜገልግለኒ እንተሎ፡ ኣቦይ ኬኽብሮ እዩ። ራእይ 14:4 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 4 እዚኣቶም ምስ ኣንስቲ ዘይረኸሱ እዮም፡ ደናግል እውን እዮም።+ ንሳቶም ነቲ ገንሸል ናብ ዚኸዶ ዘበለ ዚስዕብዎ እዮም።+ ንኣምላኽን ነቲ ገንሸልን በዅራት+ ኪዀኑ ድማ፡ ካብ ሰብ እተዓደጉ እዮም፣+
28 የሱስ ከኣ ከምዚ በሎም፦ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ብዳግመ ፍጥረት፡ በታ ወዲ ሰብ ኣብ ክቡር ዝፋኑ ዚቕመጠላ እዋን፡ ንስኻትኩም እቶም ዝሰዓብኩምኒ እውን ኣብ 12 ዝፋን ተቐሚጥኩም፡ ን12 ነገዳት እስራኤል ክትፈርዱ ኢኹም።+
4 እዚኣቶም ምስ ኣንስቲ ዘይረኸሱ እዮም፡ ደናግል እውን እዮም።+ ንሳቶም ነቲ ገንሸል ናብ ዚኸዶ ዘበለ ዚስዕብዎ እዮም።+ ንኣምላኽን ነቲ ገንሸልን በዅራት+ ኪዀኑ ድማ፡ ካብ ሰብ እተዓደጉ እዮም፣+