33 ደቅኹም ከኣ ኣብ በረኻ 40 ዓመት ጓሶት ኪዀኑ እዮም፣+ ካባኻትኩም እቲ ናይ መወዳእታ ሬሳ ኣብ በረኻ ኽሳዕ ዚወድቕ፡ ብጥልመትኩም ተሓተትቲ ኪዀኑ እዮም።+ 34 ከም ቍጽሪ እተን ነታ ምድሪ ዝሰለኹምለን መዓልትታት፡ 40 መዓልቲ፡+ ሓንቲ መዓልቲ ኽንዲ ሓንቲ ዓመት፡ ሓንቲ መዓልቲ ኽንዲ ሓንቲ ዓመት፡ ንስሕተትኩም 40 ዓመት ተሓተትቲ ኽትኰኑ ኢኹም፣+ ንዓይ ምጽራር እንታይ ማለት ምዃኑ ኸኣ ክትፈልጡ ኢኹም።