-
ግብሪ ሃዋርያት 11:5-10መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
5 “ኣብ ከተማ ዮጴ* እጽሊ ነይረ፣ ተመሲጠ ኸለኹ ድማ ብኣርባዕተ መኣዝኑ እተታሕዘ ዓብዪ ዓለባ በፍታ ዚመስል ነገር* ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ብራእይ ርእየ፣ ናባይ እውን መጺኡ።+ 6 ናብኡ ምስ ጠመትኩ፡ ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳታት ምድርን ኣራዊትን ለመምትን ኣዕዋፍ ሰማይን ኣስተብሂለ። 7 ‘ጴጥሮስ፡ ተንስእ፡ ሓሪድካ ብላዕ!’ ዚብል ድምጺ እውን ሰሚዐ። 8 ኣነ ግና፡ ‘ጐይታይ፡ ርኹስ ወይ ዘይንጹህ ከቶ ናብ ኣፈይ ኣትዩ ስለ ዘይፈልጥ፡ ኣይከውንን እዩ’ ኢለ። 9 ካልኣይ ሳዕ፡ ‘ነቲ ኣምላኽ ዘንጽሆ፡ ደጊም ንስኻ ርኹስ ኣይትበሎ’ ዚብል ድምጺ ኻብ ሰማይ መሊሱለይ። 10 እዚ ኸኣ ሳልሳይ ሳዕ ኰይኑ፣ ኵሉ ድማ ከም ብሓድሽ ናብ ሰማይ ተሳሒቡ።
-