ግብሪ ሃዋርያት 2:1 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 2 ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ*+ ድማ፡ ኵላቶም ሓቢሮም ብሓንሳብ ነበሩ። ግብሪ ሃዋርያት 2:4 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 4 ኵላቶም ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ተመልኡ+ እሞ፡ ከምቲ እቲ መንፈስ ኪዛረቡ ዘኽኣሎም እውን ብኻልእ ቋንቋታት* ኪዛረቡ ጀመሩ።+ ግብሪ ሃዋርያት 10:44, 45 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 44 ጴጥሮስ ገና እዚ ቓል እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ ኣብ ኵሎም እቶም ነቲ ቓል ዚሰምዕዎ ዝነበሩ፡ መንፈስ ቅዱስ ወረደ።+ 45 እቶም ምስ ጴጥሮስ ዝመጹ እተገዝሩ ኣመንቲ፡* ናጻ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኣህዛብ እውን ስለ ዝፈሰሰ፡ ኣስተንከሩ።
44 ጴጥሮስ ገና እዚ ቓል እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ ኣብ ኵሎም እቶም ነቲ ቓል ዚሰምዕዎ ዝነበሩ፡ መንፈስ ቅዱስ ወረደ።+ 45 እቶም ምስ ጴጥሮስ ዝመጹ እተገዝሩ ኣመንቲ፡* ናጻ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኣህዛብ እውን ስለ ዝፈሰሰ፡ ኣስተንከሩ።