ግብሪ ሃዋርያት 14:1, 2 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 14 ኣብ ኢቆንዩም ድማ ብሓባር ናብ ምኵራብ ኣይሁድ ኣትዮም ጽቡቕ ገይሮም ብምዝራቦም፡ ካብ ኣይሁድን ግሪኻውያንን ኣዝዮም ብዙሓት ኣመኑ። 2 እቶም ዘይኣመኑ ኣይሁድ ግና ነቶም ኣህዛብ፡* ኣብቶም ኣሕዋት ኣለዓዓልዎም፡ ከም ዚጽልኡ እውን ገበርዎም።+ ግብሪ ሃዋርያት 17:4, 5 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 4 ገለ ኻባታቶም ከኣ ኣሚኖም ምስ ጳውሎስን ሲላስን ሓበሩ፣+ ንኣምላኽ ዜምልኹ ኣዝዮም ብዙሓት ግሪኻውያንን ብዙሓት ኣውራታት ኣንስትን እውን ከምኡ ገበሩ። 5 ኣይሁድ ግና ቀኒኦም፡+ ኣብቲ ዕዳጋ ንዜውደልድሉ ገለ እኩያት ሰብኡት ወሰዱ፡ ህዝቢ ኣኪቦም ከኣ ነታ ኸተማ ኣነዓብዋ። ኣብ ቤት ያሶን ድማ መጥቃዕቲ ፈነዉ፣ ንጳውሎስን ንሲላስን ከኣ ናብቶም ህዝቢ ኼውጽእዎም ደለዩ።
14 ኣብ ኢቆንዩም ድማ ብሓባር ናብ ምኵራብ ኣይሁድ ኣትዮም ጽቡቕ ገይሮም ብምዝራቦም፡ ካብ ኣይሁድን ግሪኻውያንን ኣዝዮም ብዙሓት ኣመኑ። 2 እቶም ዘይኣመኑ ኣይሁድ ግና ነቶም ኣህዛብ፡* ኣብቶም ኣሕዋት ኣለዓዓልዎም፡ ከም ዚጽልኡ እውን ገበርዎም።+
4 ገለ ኻባታቶም ከኣ ኣሚኖም ምስ ጳውሎስን ሲላስን ሓበሩ፣+ ንኣምላኽ ዜምልኹ ኣዝዮም ብዙሓት ግሪኻውያንን ብዙሓት ኣውራታት ኣንስትን እውን ከምኡ ገበሩ። 5 ኣይሁድ ግና ቀኒኦም፡+ ኣብቲ ዕዳጋ ንዜውደልድሉ ገለ እኩያት ሰብኡት ወሰዱ፡ ህዝቢ ኣኪቦም ከኣ ነታ ኸተማ ኣነዓብዋ። ኣብ ቤት ያሶን ድማ መጥቃዕቲ ፈነዉ፣ ንጳውሎስን ንሲላስን ከኣ ናብቶም ህዝቢ ኼውጽእዎም ደለዩ።